By Semere Fessehaye
ዝትናፈቕኩም ብጾት ዳንካልያ ከመይ ቀኒኹም? እቶም ኣብ መርዓ ዝውዓልኩም ብድሓንዶ ቦታኹም በጺሕኩም?
በሉ ሓንቲ ተሕጉስ መልእኸቲ ሒዘልኩም ኣለኹ፡፡
ድሕሪ መርዓ፡ ሰንበት ናይ ሓማውቲ ምሳና ተመስሑ ተባሂልና ዝተረፍና ብጾት ዳንካል ነርና፡፡
በዚ ኣጋጣሚ ኽኣ ተኣኻኺብና እንዳ የዕለልና ከሎና ብዛዕባ ብጾትና ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣብዚ እዋን እዚ ከም
ኣሕመድ ፍሩምን ዓብደላ ሓሰንን ተዘራሪብና፡፡ ከከም ዓቕምና ኣዋጺእና ክንሰድድ ተሰማሚዕናስ ሓደ 220euro; ኣዋጺእና፡፡
በዚ መሰረት ኣነ ንኽልእኮ እቲ ገንዘብ ተቐቢለዮ፡፡
ተለፎን ናይ ዓብደላ ሓሰንን ኣሕመድ ፍሩምን ካብ ሳልሕ ስለማን ድሕሪ ምርካበይ ንኽልቲኦም ደዊለ ረኺበዮም፡፡
ብዛዕባ እቲ ሓሳብ ናይ ብጸቶም ተጋደልቲ ዳንካልያ ምስ ሓበርኩዎም ዝተሰምዖም ሓጎስ ወሰን የብሉን፡፡
ብድሕሪኡ እውን እቲ ኣብጽሓለይ ዝበልኩዎ እሙን ሰብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ስዓት ስለ ዘሳለጦ፡ ብኡብኡ፡ ብጻይ ዓብደላ ደዊሉ
ከም ዝተቐበሎ ንኣሕመድ እውን ከም ዝሓበሮ ነጊሩኒ፡፡
በሉ ብጾት፡ ብጾትና ዓብደላን አሕመድን ተሰሚዑዎም ዘሎ ሓጎስ ካብ መጠን ንላዕሊ ደረት ዘይብሉ ሓጎስ ምዃኑ ንኽሕብረኩም
ስለ ዝተላበዉኒ፡ ብስም ኩልና ስለ ዝኾነ ኽኣ፡ ንኹሉኹም ጀምዓት ዳንካልያ ምስጋንኦም የምሓላልፈልኩም ኣሎኹ፡፡
ከም ሓበረታ መጠን እተን 220euro; ሸርፈን ክልተ ሚልዮን ናይ ሱዳን ኮይነን፡፡ ስለዚ ሓሓደ ሚልዮን በጺሐንኦም ማለት እዩ፡፡
ብጻይ ሳልሕ ሱለማን ከም ዝሓበረኒ፡ እዘን ገንዘብ ዋላ ይውሓዳ ኣብ ዘድልዮም ስዓት ስለ ዝኾና ዓቢ ግደ ኣሎወን፡፡
ዝኸበርኩም ብጾት ደጊመ ብስሞም ምስጋናይ የቕርበልኩም፡፡
ብተለፎን ክትራኸብዎም ንእትደልዩ፡
-
ዓብደላ ሓሰን (249) 912 669 794
-
ኣሕመድ ፍሩም (249) 905 753 374
ሓውኹም ሰመረ ፍስሃየ