By Baire Sereke
ዝኸበርኩም ማሕበር ዳንካልያ
ብቐዳምነት ኣብ ኩሉ ጥዕናኹምን መነባብሮኹምን ሓጎስን ቅሳነትን ጥዕናን ንምነየልኩም። ክራማት ሰጊርና እንሆ ኣብ ድሮ ብርሃነ-መስቀሉ በጺሕና። ንኹሉኹም ኣመንቲ ክርስትና ከኣ እንቋዕ ኣብጸሓና እናበልና ናይ ሰላምን ቅሳነትን ሕውነትን በዓለ-ፋሲካ ክገብረልና ንምነ።
ኣስዒብና ብዛዕባ ናይ ሎሚ ዓመት ርኽክባትና ኣብ ዳርምሽታት ከምንገብሮን ተሳተፍቲ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ለካቲት መልሲ ክትሰዱልናን በታ ቀዳመይቲ ደብዳቤና ሓቢርናኩም ከምዝነበርና ዝዝከር ኢዩ። እቶም ምላሽ ዝሃብኩሙልና ከኣ ምስጋናና ነቕርብ።
እቲ ኣብ ዳርምሽታት ተመዲቡ ዝነበረ ምርኻብና እምበኣር ብገለ ተክኒካዊ ጸገማት ስለዘይጠዓመ ከም መተካእታ ኣብ ቪስባደን ዝተባህለ ከተማ ቀይርናዮ ኣሎና። ከተማ ቪስባደን ካብ ከተማ ፍራንክፎርት ኣስታት 31,7 ኪሎሜተር ብኣየር፡ ኣስታት 38 ኪሎሜተር ከኣ ብማኪና ሪሒቓ እትርከብ ዋና ከተማ ናይ ኣውራጃ ሄሰን ኢያ። እቲ እነዕርፈሉ ቦታ ኣአሓሒዝና እንሰዶ ዘሎና ጥብቆ ርኣይዎ። ከምኡውን በዚ እንሰዶ ዘሎና ኣድራሻ ብምጥቃም ብመንገዲ ኢንተርነት ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቡ ከምትኽእሉ ርዱእ ኢዩ።
በሉ ክሳብ ቀጻሊ ሓበሬታ እንሰድድ ብደሓን ቀንዩ።

ስለ ሽማግለ ማሕበር ዳንካልያ

Jugendherberge Wiesbaden
Bluecherstr. 66
65195 Wiesbaden
Telefon: 0611/48657