By Baire Sereke
ናብ ዝኸበርኩም ብጾት ማሕበር ዳንካልያ 06.01.2015

ብቐዳምነት ዓመተ 2014 ብሰላም ተፋኒና እዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመተ 2015 ከኣ ናይ ጥዕናን ሓጎስን ዓመት ክገብረልና
ብስም ሽማግለ ማሕበር ትምኒትና ንገልጽ። ንኣመንቲ ክርስትና ርሑስ በዓል ልደት ንኣመንቲ ምስልምና ከኣ ርሑስ ዒድ
ኣልመውልድ ብኣጋጣሚ ኣብ ጥቓ ጥቓ ምውዓለን ዝያዳ ራሕሲ ይግበረልና።

ኣስዒብና ናይ ሎሚ ዓመት ምርኻብና ነቶም ካብ ርሑቕ ቦታታት እትመጹ ክልተ መገሻ ከይኮነኩም፡ምስቲ ኣቐዲሙ
ተቖጺሩ ዝነበረ መርዓ እንዳ ኣማኒኤል ገብረየሱስ (ጥቢቆ) ዓባይ ጓሉ፡ ከነሰማምዖ መሪጽና። በዚ መሰረት ከኣ ናይ ሎሚ
ዓመት ርኽክብና ኣብቲ መርዓ ዝግበረሉ ከባቢ ኣብ ከተማ ማንሃይም ኢዩ ክኸውን። እቶም ንመርዓ ዓርቢ ዝኣትዉ
ብፍሉይ ካብ ዓርቢ ምሸት ምሕዳሮም ክተሓዘሎም ወሲና ኣሎና። ዝተረፍና ቀዳም ድሕሪ መርዓ ምሕዳርና ኣብቲ
መራኸቢ ቦታ ክኸውን ኢዩ። ስለዚ ብጠቕላላ ሰለስተ ለይቲ ኢና ክንሓድር፡ ቀዳም፡ሰንበት፡ሰኑይ። ሰሉስ ንግሆ ድሕሪ
ቁርሲ ክንፋኖ ኢና ማለት ኢዩ።

ዋጋ ንሓደ ሰብ መደቀሲ፡ቁርሲ፡ምሳሕ፡ድራር ናይ ሓደ መዓልቲ 37,- ኦይሮ ኢዩ። ከምቲ ዝሓለፈ ዓመታት ቁጽሪ ሰባት
ብግምት ምሓዝ ንዝመጹ ሰባት ሃሰያ ስለዘስዕብ ኣይክንገብሮን ኢና። ስለዝኾነ እዛ መልእኽቲ ምስበጽሓትኩም
ተሳታፍነትኩም ብቕልጡፍ ክትሕብሩና ኣጥቢቕና ንሓትት። ክሳብ ዕለት 31.01.2015 ተሳታፍነቶም ናይ ዝሓበሩና ጥራይ
ቦታ ከምንሕዝ ክንሕብር ንፈቱ። ንዝኾነ ኣባል ሽማግለ ወይ ከኣ ብመንገዲ ኢ-መይል ኣቢልኩም ክትሕብሩና ትኽእሉ
ኢኹም።

መራኸቢና ቦታ ኣስዒብና ክንሕብረኩም ኢና።

ብሰላም ምስ ምሉእ ጥዕና የራኽበና

ሽማግለ ማሕበር