By Melake Haile Ghebreab
ምስጋና
ዝኸበርኩም ብጾት

ኣለም ገዘሀይ
ንጉሰ ወልደሚካኤል

ብመጀመርያ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብጾት ማሕበር ደንካያ ኣብ ንራኸበሉ እዋን ነቲ ዓመት ዓመት
እትሰዱልና ገንዘብ ኣመልኪቶም ፣ ኣንታ ሓፍ ዘይብል ምስጋና ኣቕርቡልና ክብሉና ብወገንና ሎሚ ጽባሕ
ክንብል ተረባሪብና ::: ሎሚ ማዓልቱ ኣኺሉ እንሆ ናይ ኩሉ ክትልእኩልና ዝጸናሕኩም እኩብ ዓመታት
ናይ ኩሎም ብጾት ናይ ሓባር ምስጋና ተቐበሉና ::

ዝኸበርኩም ብጾት ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ሓደ ግዜ ብኣካል ምሳና ቀኒኹም ዕላልኩምን ጸወታኹምን
ክንሰምዕ ክንደይ ደስ ምስበለና :: ኩሉ እቲ ናይ ኣቀማምጣ ኩነታት ከምዘለዎ ተቐቢልና ኣብዝተራኸብናሉ
እዋን ኣብ ዕላላትና ከይንፈልየኩም ደጊምና መብጽዓ ንኣቱ :: ብወገንኩም እውን እንተዋሓደ ኣብታ
እንራኸበላ ማዓልቲ ተራኺብኩም ተላፊኖ ጭር እነተበልኩሙልና ዳርጋ ብኣካል ምርኻብ ጌርና ከምእንወስዶ
ኣይትጠራጠሩ :: ሎሚ ዓመት ድሮ ኣብ ናይ ኣባሓጎ ደረጃ እናተሰጋገርና ኢና ግዜ ኣንታይ ኣልይዎ ::
ብኣጋጣሚ ናይ ልሚ ዓመት ርኽክብና ኣማኒኤል (ጥቢቆ) ጓሉ የመርዑ ስለዘሎ ምስ ርኽክባትና ክንማልኣ
መዲብና ኣሎና ::ሓንቲ ጓይላ ናይ በይንና ከይሃለወና ኣውን ኣይተርፍን እዩ :: በሉ ኣብ ዘዘለናዮ ጥዕናን ሓጎስን
የሰንየና ሰናይ ዓመት ከኣ ይግበረልና ::


ብስም ኩሎም ኣባላት ማሕበር

ሽማግለ ማሕበር