By Semere Fessehaye
ዝተናፈቕኩም የሕዋትን ብጾትን ከመይ ትኾኑ?
ናይ ምርኻብና እዋን እንዳቐረበ ይመጽእ ኣሎ።
ናይ ሎሚ መጽሓፍየይ ምኽንያት በዘን ዝስዕባ ነጥብታት አቕርበልኩም።
  1. ንጉዳይ መርዓ ጓሎም ንየሕዋትና ኣማኒኤልን ትርሓስን ዝምልከት ሓበረታ ኣብ ቀዳመይቲ ገጽ ብስእሊ ኣስፊረዮ ኣሎኹ። ኣብ ልዕሊ እታ ስእሊ ጠዊቕኩም የዕቢኹም ክትርእይዎ ዝሓሸ እዩ።
  2. ሓውና ዘርኡ ዝልኣኸለይ ስእሊ ምስተን ኣብ ቀዳመይቲ ገጽ ዝዞራ ስእልታት ኣስፊረያ ኣሎኹ።
  3. እተን ቪደዮታት ነታ ቀዳመይቲ ገጽ ስለ ዘካበዳኣ ሓንቲ ናይ ሎዛን ኣትሪፈ ንኻላኦት ኣልዒለየን ኣሎኹ።
ክሳብ ንራኸብ እዚ ወድሓንኩም።

ሓዉኹም ሰመረ ፍስሃየ።