By Zecarias Tzegezab
ጀምዓት ዳንካሊያ አታ ናፍቆትኩም ሲ በይና ኢያ
ፍቅርስ መሊኡ ውሕዱዋ ሞያ
ናይ ሎም ዕላል ንፕባሕ ታሪኽ ያ.
በሉ ስከ ብጻይን ብጾትን
እዝጊህር ይሐሉኹም ለይትን ምስ መዓልትን
ጊጥጥ ምስመልአት ደቒቕን ሰዓት
ኦሮማይ ንግደፎ ብኽያትን ንብዓትን
አቐዲምና ደው ንበል አብ ፍቕርን አብ ሐቕን
በሉ ዓዓቕምና ንግበር
አይንሕመቕ ንትሐባበር
ብሐደ ንጠመር
ሕድሕድ ንከባበር
ሐቂ አይትቕበር አይትስበር
ንዐቢ ነኽብር ንንእሽቶ ይ ንምክር
ኮይንና ድዩ ከምዚ ኢልና ክንነብር
ገለና አብ ዓዲ ገለና አብ ስግር
መዓሲና ጹቡቕ እንብሽር
በሉ ብጾት ሸለል በሉኒ
ተዛሪበ አለኹ አፈይ ዝሃበኒ
ንእሽቶኻ ዓቢኻ ድሓን ቀኒ