By Baire Sereke

መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮ ይመጽእ ከምዝበሃል፡ እንሆ መዓልቲ ምርኻብና እናተቐራረበ ይመጽእ ኣሎ። ዝኸበርኩም ብጾት ማሕበር ዳንካልያ ከመይ ቀኒኹም፣ እቶም ብራሕቂ ቦታ ብኣካል ዘይንረኸበኩም ከኣ ከመይ ኣሎኹም ፣ ሕራይ ንኽትህልዉ ሽማግለ ደረት ዘይብሉ ትምኒታ ትገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ መልእኽትና መራኸቢ ቦታ ከምዝሓዝናን ቁጽሪ ተሳተፍቲ ብግምት ሂብና ከምዝነበርናንከምዝሓበርናን ዝዝከር ኢዩ። እቲ ልክዕ ናይ ተሳተፍቲ ቁጽሪ (ዝተጻፈፈ) ክሳብ ዕለት 15.04.2016 ከነስዕብ ምዃና ተነጊሩና ምንባሩ እውን ሓቢርና ኔርና ኢና። ክሳብ ሕጂ 19 ሰባት ጥራሕ ተሳታፍነቶም ሓቢሮሙና ኣለዉ፣ በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ከነመስግኖም ንፈቱ። እቶም ዝተረፍኩም እውን ቅድሚ'ቲ ዝተባህለ ዕለት ብተሌፎን ወይ ብመንገዲ ኢመይል ንዝኾነ ኣባል ሽማግለ ክትሕብሩ ኣጥቢቕና ንላቦ።

ሰላምን ቅሳነትን ኣብዘዘለኹሞ ቦታ እናተመኔና

ብሰላም የራኽበና

መዘከርታ፣ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝኽፈል ዋጋ ብልክዕ ከነስዕበልኩም ኢና።