By Semere Fessehaye
ዝተናፈቕኩም የሕዋት ዳንካሊያ፣ ኩሉኹም ብሰላም ቦቦታኹም በጺሕኩም ክትኮኑ ትምኒተይ ወሰን የብሉን።
ናይ ሎም ዘመን መራኸቢትና ቦታ ኩልና ዝተሓጎስናላ ጽፍፍትን ምጭውትን እያ ነይራ።
በሉ መልኣከ ወዲ ቐሺ ከም ቀደሙ ከዕርፍ ከይበለ ንሱን ኤርትራ ብዓልቲ ቤቱን ኮይኖም ዝስኣልዎ ስእልታት ስለ ዝልኣኸለይ
ኣብ ወብ ሳይትና ኣስፊረዮ ኣሎኹ።
ንምርካቡ BAD HOMBURG 2016 ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ እቲ ምድሩ ኽኣ ብጫ ሕብሪ ገይረሉ ኣሎኹ።
እሞ ነቶም ኣብዚ ዘይምነ ምርኻብና ዝውዓልና ሃየ ስእልታትና ንምርኣይ ኣይንሕመቕ።
እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክትውዕልዎ ዘይክኣልኩም የሕዋት ክኣ ብመንገዲ እዘን ስእልታት ኣቢልኩም ክትሳተፍወን ትዕደሙ።

ኣብቲ ኣኼባና ሓፍትና ጽሃይቱ ወልድኣብ ንኹሎም የሕዋት ዳንካልያ ኣርእዮም ኢላ ዝልኣኸትለይ ናይ መርዓ ኤፍረም ፍትዊ ቪደዮ ብሓባር ኮይና ርኢናያ።
ኣብቲ መርዓ (ኤፍረም ወዲ ስዉእ ፍትውን ሓፍትና ጽሃይቱ ወልድኣብን) ግርማይ ወዲ ፊተውራሪ ዝሃቦ መግለጺ ብዝሕ ኣሐጒሱና።

ሓውኹም ሰመረ ፍስሃየ