ናስ ደልከልያ ማናህ ተኒ
ሰላም ብሓበራ ኩሉኹም ብጾት ካብ ደንከል ኣብ መላእ ዓለም ተዘሪእኩም ዘለኹም። ኩሉ ሕሳብ ኣምላኽ ኢዩ። ኣብ ደንከል ኣብ ቃልሲ ክንራኸብ። ብሂወት ክንተርፍን ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ዝተፈላለየ ሃገራት ክንስደድን። እዚ ዕድል`ዚ ካብ ረኸብና ከም`ቲ ህርኩታት ብጾትና ዝጀመርዎ ብኣካል ምርኻብ፥ ቀጺሉ እውን ብጻይና ሰመረ ሰሪሑዎ ዘሎ ድልድል ተጠቒምና ከመይ ኣሎኹም ክንበሃሃል እቲ ዝወሓደ ክንገብሮ ዘሎና ኢዩ`ሞ ከመይ ኣሎኹም።
ባይኖሳይ እዛ መልእኽተይ እንተኣንቢብካያ፥ ኣብ ኢራብሊ ኢድካ ተሃሪምካ ሕክምና ቀዳማይ ረዲኤት ክገብረልካ ትዝ ይብለኒ። ይኹን`ምበር ምዕቡል ሕክምና ብዘይምንባሩ (deformation) ናይ ኢድካ ሎሚ ኣብ ምዕቡል ሃገር ኮይነ የቖጥዓኒ። ገለ ምምሕያሻት ኣብ ኣሜሪካ ገይሮሙልካ ክኾኑ ተስፋ እገብር።
ኣብ ቀጻሊ ምስ ካልእ ተዘክሮይ ክሳብ ዝምለስ ደሓን ቀንዩ።
baire sereke