By Baire Sereke

ዝኸበርኩም ማሕበር ደንካልያ፡

ናይ ሎሚ ዓመት ርክብና ኣብ ስቶክሆልም ፍሉይ ኢዩ ነይሩ። እቶም ብራሕቂ ቦታታት ይኹን ብካልእ ጸገማት ምሳና ዘይወዓልኩም ስእሊ ልዕሊ ጽሑፍ ስለዝኾነ፡ ንዕኡ ሪኢኹም ተኻፈልቲ ሓጎስና ጌርኩም ከምትወስድዎ ኣይንጠራጠርን ኢና። ብዝኾነ ፍሉይነት ናይዚ ዓመት ብዙሓት ብጾትና ንመጀመርያ ጊዜ ምሳና ዝተሳተፍሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ገለ-ገለ ብጾት ኣብ ደንከል ምስተፋላሌና ናይ መጀመርያ ርክብና ምንባሩ፡ ኩልና ብውሽጥና ብኻ እዛ ናይ ሎሚ ዓመት ርክብና ናይ ሰሙን ዘይገበርናያ ዘይበለ የለን። ካብቶም ናይ ሎሚ ዓመት ዝተጸንበሩና ገብሪሂወት ተስፉ (ኣዝማልቶ) ፡ ሰሎሙን እመሃጼን፡ ሃይለሚካኤል መኮንን፡ ኣስገዶም ዊንታ፡ ተስፋይ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣፎምያ፡ ግደ እምባየ፣ ኮታ ዳርጋ ኣብ ደንከል ዘሎና ኮይኑ ኢዩ ተሰሚዑና ነይሩ። ብናይ ጊዜ ምንዋሕ ናይ ተዘክሮታት ጉድለታትና ካብትን ካብዝን እናመላላእና ከነዕልል ከይተፈለጠና መዓልቲ ተወዲኡ። እቲ ቁሩብ ዘጸናንዕ ግን፡ መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮ ይመጽእ ከምዝበሃል ብጥዕና ደኣ የጽንሓና እምበር ንዓመታ ክንራኸብ እንዲና ብምባል ነቲ ዘይፍቶ ምፍናው ከምንጻወሮ ገይሩና።

ተቐበልቲ ኣጋይሽ ናይ ሽወደን ብጾትና ስድራቤት ተስፋገርጊሽ ረዳእ፣ ሙስጣፋ ሳልሕ፣ ስድራቤት ኣድሓኖም ሰሎሙን፣ ከምኡውን ስድራቤት ተስፋይ፣ ብልብኻ ጥራይ ተሓጉሽካ ብቓላት እንተዘይገሊጽካዮ ጽቡቕ ስለዘይኮነ፡ እንሆ ደጊምና ብስም ተሳተፍቲ ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ብርክኹም ይጽናዕ ትሕዝቶኹም ከኣ ይብዛሕ ንብል።

ፍሉይ ምስጋና ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ብጾትና፡ ነዚ ምርኻብና ዓመት ንዓመት ትሕግዙ፡ ሎሚ ዓመት ዝለኣኽኩሙልና፡ ኣለም ገዘሀይ፡ ንጉሰ ወልደሚካኤል፡ ባይኖሳይ፡ ነጋሲ ዓንዱ፡ ተኪኤ ዓንደብርሃን፡ ጸሃይቱ ወልደኣብ፡ ብኢድ ጸሃይቱ ተቐቢልናዮ። ከምኡውን ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተላእከልና ካብ ብጻይና ሃብተኣብ የቐንየልና ይብሉ ማሕበር ዳንካልያ።

ሽማግለ ማሕበር