By Baire Sereke
ኣገዳሲ ሓበሬታ
ዝኸበርኩም ኣባላት ማሕበር ዳንካልያ፡ ብቐዳምነት ካብዚ ወሪዱ ዘሎ ዓለምለኻዊ ተላባዲ ሕማም ሓራ ክትህልዉ፡ ኣብ ቀጻሊ እውን ብሰላም ክትሓልፍዎ ብስም ሽማግለ ማሕበር ትምኒትና ንገልጽ። ብምቕጻል፣
ናይ 2020 ርክብና ካብ ዕለት 31.07.20 ክሳብ ዕለት 03.08.20 ናይ 50 ሰብ ቦታ ሒዝና ቅድመ-ውዕል ከምዝገበረና ዝዝከር ኢዩ። እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ሽማግለ ማሕበር ብዕለት 05.05.20 ተኣኪባ ድሕሪ ምዝታይ፣ ኩነታት ብሩህ ስለዘይነበረ እቲ ዝገበርናዮ ውዕል ክስረዝ ንዝምልከቶም ኣካላት መመልከቲ ጺሒፍና ኔርና። ብዕለት 25.05.20 ዝተጻሕፈልና መልሲ ከኣ፣ እዚ ኩነታት ነቲ ውዕል ዘፍርስ መኽንያት ከምዘይምዃኑን ኣቕርቦት ክገብሩ ስለዘየጸግም፡ ንሕቶና ከምዘይተቐበልዎ ኣፍሊጦሙና ኣለዉ። ብዘይካዚ እቲ ውዕል ምስዘይከብር፡ ከምቲ ኣብቲ ውዕል ዘሎ፡ ብቑጽሪ እቶም ዝበኾሩ 50% ዕዳ ክንሕተት ምዃና ኣፍሊጦሙና ኣለዉ። ስለዝኾነ ሽማግለ ማሕበር ካብ ዘይተደላዪ ዕዳ ንምድሓን ከም ቀደምና ኣብቲ ዝተመደበልና መዓልቲ ንኽንራኸብ ወሲኑ ኣሎ። እቶም ካብ ጀርመን ወጻኢ ዘለኹም፡ ናይ ምንቅስቓስ ኩነታት ናይ ዘለኹመን ሃገራት ተኸታቲልኩም ተሳተፍቲ ክትኮኑ ተስፋና ንገልጽ። (ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ብደረጃ ኤውሮጳ ናይ ምንቅስቓስ ለውጢ ክገብሩ ዝስማዕ ዘሎ ግብራዊ ንኽኸውን ተስፋ ንገብር)
ክሳብ ብኣካል ንራኸብ ብሰላም ይዕቆረና።
ሽማግለ ማሕበር