By Baire Sereke

ዝኸበርኩም ማሕበር ዳንካልያ 01.10.2011

ብቐዳምነት ኣብ ጥዕናኹም ብምቕጻል ከኣ ኣብ ኩሉ መነባብሮኹም ሓጎስን ቅሳነትን

ንምነየልኩም።

ዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣብ ዓመታዊ ንግደት ዳርምሽታት ካብ ንራኸብ። በቲ ሓደ ሸነኽ

ከምቲ ውራይ ዘሕለፈ ሩፍ ምባሉ ልሙድ ዝኾነ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ናይ'ቲ ዝተራኸብናሉ

ኣጋጣሚ ስእልታትና ምስተዘርግሐ ልዕሊ ዘረባ ስለዝኾነ ኣዘንጊዑና። ብዝኾነ ግን ብኡ ይሩ

ክተኣታተወካ ስለዝኽእል እንሆ ሎሚ ገለ ንምሕንጣጥ ተበጊስና።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ዳግም ምርኻብና ፍሉይ ናይ ሓጎስ ስምዒት ኢዩ የሕዲሩልና። ከምቲ ምስላ

ኣቦታት፡ ካብ ዓይኒ ዝተኸወለስ ካብ ልቢ ገለለ ዝብልዎ፥ እቲ ናይ ዓሚ ምርኻብና ነቲ ንዓመታት

ተረሲዑ ዝነበረ ናይ ሓባር ታሪኽና ኣሓዲሱልና ስለዝጸንሐ ፍሉይ ናፍቖት ዝተሓወሶ ምርኻብ

ኢዩ ነይሩ። ነፍሲ-ወከፍ ሓደ ነቲ ካልእ ክስዕም፡ ሰላምታታት ክትቀያየር ዝወሰድናዮ ጊዜ መዓት

ኢዩ። ዝሕል ምስበልና እሞ ከኣ ሰድያታትን ጣውላታትን ናይ ኣኼባ መልክዕ ኣትሒዝና ኩሉ

ናይ ልብና ዕላላት ኣራጊፍናዮ ኢና። ምናዳ ናይ ማእከለ ወዲ ሓንኪሽ ዕላላት እሞ ዋላ ናይ

ቀደም ቅድሚ ገድሊ ዕላላቱን ጸወትኡን መዓናጡና ኣቝሲሉና ኢዩ። ሽሻይን በረኸትን እሞ

ምስጋና ነተን ደቂ-ኣንስትዮና ጣውላታት ቦታ ተሳኢኑዎ ኢዩ ነይሩ። ጸወታን ዕላልን ነቲ

ዝተኻሬናዮ መደቀሲ ዓራታት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ገይሩዎ ኢዩ እንተበልናስ ሓሶት ኣይኮነን።

ኣብ ድሮ ምፍናውና ገለ ቁሩብ ጊዜ ዝወሰደ ብዛዕባ ቀጻልነት ምርኻብናን ማሕበርናን ተዘራሪብና።

ገለ ውሽጣዊ ሕግታት ማሕበር ክግበር፥ እዚ ሕግታት እዚ ከኣ በታ ሓዳሽ እትምረጽ ሽማግለ

ክንደፍ ተሰማሚዕና። ብዛዕባ ምምራጽ ሽማግለ ብዝምልከት፡ እቲ ገዛ ነቶም ዝጸናሕና፡ ነዛ ዓመት

እዚኣ ድገሙዋ፡ ቀጽልዋ፡ ኢሉ ዓይነዓይንኹም ኢሉና። ንሕና እውን ምስ ኩሉ'ቲ ዘቕረብናዮ

መኽንያታት ተቐቢልናዮ። ብዝኾነ እቶም ዝጸናሕና ሽማግለ ኣብርእሲ'ቲ ቦታ መራኸቢ ምድላው

ዝብል ተወሳኺ ገለ ናይ ማሕበር ንድፍታት ክንድፍ ሓላፍነት ተሰኪምና ኣሎና። እቶም ብራሕቂ

ቦታታት ምሳና ዘይወዓልኩም፡ ናታትኩም ኣካላዊ ዕላላት ገጸ-ገጽ ምርእኣይ እኳ ይጉደል እንበር፡

ብዕላላትን ጸወታታትን ኣብዘይ ህላዌኹም ኣይፈሌናኩምን። ጊዜ ተጣዓዒሙ ኣብ እትመጽሉ እዋን

መዓት ዕዳ ናይ ዕላላት ከምዘለኩም ግን ኣይትዘንግዑ።

በሉ ብወገና ተራኺብና ብዛዕባ ዝተዋህበና ተወሳኺ ሓላፍነት ይኹን ብዛዕባ ምድላው ምርኻብና

ናይ ዓመተ-2012 ደሃይ ክሳብ ንገብረልኩም ኣብ ዘዘለናኹሞ ሓጎስን ጥዕናን የሰኒኹም። ደሃይኩም

ኣይተሓባኣና ፡ ክሳብ'ቲ ብኣካል እናረኸብ ግን ገለ ንሓናጥጥ ደሃይ ንግበር ኢና ንብል።

ምስ ብዙሕ ሰላምታ

ጊዝያዊት ሽማግለ ማሕበር ዳንካልያ