By Semere Fessehaye

ዝተናፈቕኩም የሕዋት ዳንካልያ ከመይ ትኾኑ?
ኣብ ከተማ ዳርምሽታት ተራኺብና ዝሓለፈን ዘሎን
ሃለዋትና ካብ እነዕልል ድሮ ሳልሳይ ወርሒ ክኸውን ቀሪቡ::
ድሃይ ማሕበርን ድሃይ ገለ ብጾት ኣብ ኤርተራ ዘለዉን
ካብ ሓው ባይረን ዘካርያስን ረኺብና: ብወገነይ ብዙሕ ከመስግኖም እፈቱ::
ምኽንያቱ ኩነታትናን ኩነታት ማሕበርን ጠፊኡኒ ስለ ዝጸንሐ::
ብጉዳይ ኣብ ሽግር ዝርከቡ ናይ ዳንካልያ የሕዋት ተጠቒሱ ነይሩ:
ከምቲ ባይረ ጠቒሱዎ ዘሎ ኣብታ ቀዳመይቲ ኣኼባና ብደረጃ ማሕበር
ክንተሓጋገዝ ሽግር እዩ ተባሂሉ ተዓጽዩ::
እንሆ ኽኣ ሕጂ ጉዳይ ሓውና ተስፋይ ደልሖ ተላዒሉ::

ኣነን ገብሪሂወትን እውን ንግደ (ሓላፊ ክፍሊ ስንቂ ዝነበረ)
አብ ዓዱ ዝርከብ አብዚ እዋንዚ ተስፋ ክኾኖ ድሃዩ ንግበር ተባሃሂልና ንብገሰሉ ኣሎና::

ብርኢቶይ ዝተመሳሰለ ሽግር ዘለዎም ብጾት ኣብ ኤርተራ ይኹን ኣብ ሱዳን ወይ ውን ኣብ ካልእ ቦታታት
ከም ዘለዉ ንስሕቶ ኣይመስለንን:: ስለዚ ነዚ ጉዳይ እዚ ንምፍትሑ ቀሊል ስለ ዘይኮነ
ብደረጃ ማሕበር እንተዝሕሰበሉ ምሓሸ ዝብል ርኢቶ ኣሎኒ::

ሓውኹም ሰመረ ፍስሃየ